Fana: At a Speed of Life!

ምስ ግብረ ራዕዲ ህውሓት ኣብ እንገብሮ ውግእ  ድጋፍ ህዝብና ዓቕሚ ይኾነና ኢዩ-ኣብ ግንባር ዝተሰለፉ ሓይሊታት ፀጥታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ግብረ ራዕዲ ህውሓት ኣብ እንገብሮ ውግእ  ደጀንነት ድጋፍ ህዝብና ዓቕሚ ዝፈጥርን ዘተባብዕን ኢዩ ክብሉ ኣብ ግንባር ዝተሰለፉ ሓይሊታት ፀጥታ ገሊፆም።

ጉጅለ ጋዜጠኛታት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ  ወሎ ግንባር ኣብ ዝገበሮ ትዕዝብቲ፥ ሓይልታት ፀጥታ ወራሪን ዘዘራፊን ጉጅለ ኣብ ዘለዎ ንምቕባር ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

ረዳት ኢንስፔክተር መስፍን መኮንን ከምዝበልዎ÷ ንሕና መስዋእትነት እንትንከፍል ማሕበረሰብ  ዘረረእዮ ዘሎ  ደጀንነት ስንቅን ሞራልን ኮይኑና ኢሎም።

ምክትል ሳጅን ሰለሞን ሙጨ ብግደኦም÷ ጁንታ ኣብ ግንባር እንትንስለፍ እውን  ማሕበረሰብ ካብ ኘሮፖጋንዳ ብምርሓቕ  ከባቢኡ ብንቕሓት ክሕሊ ይግባእ ኢሎም።

ካብ ሓሶት ወረ ብምርሓቕ ከባቢኡ ብንቕሓት ክሕሊ ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ መንእሰይ ክሳብ ግንባር ብምውፋር ሃገሩ ክሕሊ ኣለዎ ኢሎም።

ብከድር መሀመድ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.