Fana: At a Speed of Life!

ምእመናን  በዓል ትንሳኤ እንተኽብሩ ብሰንኪ ስእነት ሰላም ካብ መረበቶም ንተመዛበልቲ ወገናት ብምድጋፍ ክኸውን ከምዝግባእ ኣቦታት ሃይማኖት ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ምእመናን  በዓል ትንሳኤ እንተኽብሩ ብሰንኪ ስእነት ሰላም ካብ መረበቶም ንተመዛበልቲ ወገናት ብምድጋፍ ክኸውን ከምዝግባእ ኣቦታት ሃይማኖት ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ፣ ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ሊቀ-ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነኢየሱስ ሱራፌን ናይ ኢትዮጵያ ወንጌል ኣመንቲ አብያተ ክርስቲያናት ካውንስል ላዕለዋይ ፀሐፊ ቄስ ደረጀ ጀምበሩ ትንሳኤ በዓል ኣመልኪቶም ንሰዓብቲ እምነት ክርስትና ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ፥ ትንሳኤ በዓል እንትነኽብር ንተመዛበልቲ ወገናት ብምድጋፍ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ነቶም ወገና ብምጋብ፣ ብምስታይንብምኽዳንን ክኸውን ይግባእ እውን ኢሎም።

ሰላምእዛ ሃገር ንምምፃእ ኩሎም ሓይሊታት ግደኦም ክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ሊቀ-ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነኢየሱስ ብግደኦም፥ “ምዕመና ትንሳኤ በዓል እንተኽብሩ ንዝተፀገሙ ክሕግዙ ከምዝግባእ ገሊፆም።

እቲ በዓል ብምትሕስሳብን ፍቕሪን ክኽበር ኣለዎ ብምባል መልእኽቶም ዘመሓላለፉ ድማ ናይ  ኢትዮጵያ ወንጌል አማኞች አባያተ ክርስቲያናት ካውንስል ላዕለዋይ ፀሐፊ ቄስ ደረጀ ጀምበሩ ኢዮም ክብል ግዜኢ  ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.