Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ሊቀመንበር ሪፐብሊካን ኮሎራዶ ናብ ምንቅስቓስ #ይኣክል ተፀምቢረን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዘለዋ ምክትል ሊቀመንበር ሪፐብሊካን ኮሎራዶ ፐርሲላ ራሃን፤ መንግስቲ ጆ-ባይደን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝሓዞ ቅዋም ከምዝቃወማ ኣፍሊጠን።
እተን ምክትል ሊቀመንበር ምስ ሲቪል ካውንስል ኢትዮጵያ-ኣሜሪካውያን ኣብ ዝገበረኦ ኣኼባ እየን ንናይ ጆ-ባይደን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝሓዞ ቅዋምን ትግባረታቱን ዝነቐፋ።
ኢትዮጵያውያን ብዘይ ጣልቃ-ኣታውነት ንክነብሩ ምግዳፍ ከምዝግባእ ዘመላኸታ ፐርሲላ ራሃን÷ነቲ ማዕቐብ ኣመልኪተን እውን ተቓውሞአን ገሊፀን።
ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያውያን ምዃነን ንምርግጋፅ ድማ ናብ ምንቅስቓስ #ይኣክል ከምዝተፀምበራ ኣብ ትዊተር ገፀን ኣመላኺተን።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.