Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጤፌ ምስ ዓለም ለኸ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ፒተር ማውራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ብጅግጅጋ ኣቢሎም ጀሚሮም።

ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልልዊ መንግስቲ ሶማሌ ኣይተ ሙስጤፌ ሞሓመድ ምስ ዓለም ለኸ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ፒተር ማውራ ተዛቲዮም።

እቶም መራሕቲ፥ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብቲ ክልል ብምኽኒያት ጎንፂ ጎሳ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ብዝምልከት ተላዚቦም።

ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ክልል ሶማሌ ዝገብሮ ዝነበረ ሰብኣዊ ደገፍ ን11 ዓመታት ዝኣክል ኣቋሪፁ ከምዝፀንሐ ይፍለጥ።

ስለዝኾነ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝግበር ዝነበረ ደገፍ ንክቕፅል ብመሰረት ዘቕረቦ ሕቶ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2018 ጀሚሩ እቲ ደገፍ ከምብሓዱሽ ጀሚሩዎ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.