Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ቀዳማይ  ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ጣሊያን ኮንቴ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ዝጀመረቶ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ብሓላፍነትን ጥንቃቐን ንክዛዘም ተስፋ ከምዘለዎም ቀዳማይ ሚኒስተር ጣሊያን ጁሴፔ ኮንቴ  ገሊፆም።

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ሎሚ መዓልቲ ጣሊያን፣ ሮም ኣቲዩ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተልኣኸ መልእኽቲ ንቀዳማይ ሚኒስተር ጣሊያን ኮንቴ ኣቕሪቦም።

ኣብ ክሊ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብቲ ዘተ መብርሂ ዝሃቡ ኣይተ ደመቀ፥ ኣብ ሸነኽ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝበፅሐ ኣረዲኦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ጣሊያን ጁሴፔ ኮንቴ ብግደኦም፥  ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ዝጀመረቶ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ብሓላፍነትን ጥንቃቐን ንክዛዘም ተስፋ ከምዘለዎም ገሊፆም።

ክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ ዘበን ዝዘለቐ ጠንካራ ርክበን ናብ ዝሓሸ ብራኸ ምትብባር ንምብፃሕ ጠንኪሮም ከምዝሰርሑ ናይ ሓባር ምርድዳእ ተገይሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.