Fana: At a Speed of Life!

ረብሓታት ምስታይ ማይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓደ እኹል ሰብ ኣብ መዓልቲ ካብ 1 ነጥቢ 5 ክሳብ 2 ሊትሮ ዝኸውን ፈሳሲ ክሰቲ ከምዘለዎ ብዙሓት መፅናዕቲታት ጥዕና የረጋግፁ።

ምስታይ ፅሩይ ማይ ኣብ ውሽጢ ኣካላትና እኹል ዝኾነ ፈሳሲ ክህሊ ብምግባር  ብብመለክዕ ምስትንፋስ፣ ረሃፅን  ዓይኒ-ምድሪን ኣቢሉ ርስሓት ካብ ውሽጣዊ ክፋል ሰውነትና ንክውገድ ይሕግዝ።

ብተወሳኺ መግቢ ብዝግባእ ሓቒቑ ናብ ደምና ንኽኣቱ ይሕግዘ፣ ረሳሕ ነገራት ካብ ኣካላትና ናብ ደገ ከምዝወፅእ ይገብር፣ ምቖት ናይ ኣካላትና ይቆፃፀር።

ካብዚ ሓሊፉ፥ ጥዕና ቆርበት ኣብ ምሕላው፣ ተግባራት ሓንጎል ብኣግባቡ ንክትግበር ኣብ ምሕጋዝ፣ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቅሚ ክብ ክብል ኣብ ምግባር፣ ሰርዓት ምሕቓቕ ምግቢ ኣብ ምስላጥ ልዑል ረብሓ ኣለዎ።

ምስታይ ማይ፥ ስርዓት ዝውውር ደም ብምምሕያሽ ፀቕጢ ደም፣ ድኻም ልቢን ስትሮክን ኣብ ምክልኻል እውን ይሕግዝ።

ሕማቕ ጨና ኣፍ ምክልኻል፣ ክብደር  ምቕናስ፣ ድርቀት  ምክልኻልን ፀፀር ኩላሊት ምውጋድን ዝብሉ እውን ረብሓታት ምስታይ ማይ ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.