Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ሰብ መዚ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 54 ዜጋታት ብሪታንያ ማዕቐብ ኣንቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ኣብ ልዕሊ 54 ብሪታንያውያን ሰብ መዚ፣ ጋዜጠኛታትን ተወከልቲ መኽበርቲ ሕጊን ማዕቐብ ከምዘንበረት ኣፍሊጣ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ÷ ብሪታኒያ ኣብ ፀረ- ሩሲያ ኣካይዳኣ ኣብ ልዕሊ ሩሲያውያን ዘይተገበአ ማዕቐብ ምንባራ ስዒቡ ናይ ዓፀፋ ምላሽ ከምዝሃቡ ኣብሪሆም፡፡

ብመሰረት እዚ÷ “ሚኒስትር ባህሊ፣ ሚዲያን ስፖርትን ብሪታኒያ ሉሲ ፍሬዘርን ሚኒስትር ዴኤታ ምክልኻል ብሪታኒያ ኣናቤል ጎልዲን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 54 ብሪታኒያውያን ማዕቐብ ኣንቢርና” ኢሉ እቲ ሚኒስቴር፡፡

ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት÷ ዜግነት ብሪታኒያ ዘለዎም ዓቃቢ ሕጊ ካሪም ካንም “ብኣመራርሓ ሩሲያ ናይ ትእዛዝ ማእሰርቲ ብምውፃእ” ስለዝተሳተፉ ማዕቐብ ተነቢሩሎም ኢሉ፡፡

ኣመራርሓ ‘’ፕሪቬል ፓርትነርስ’’ ናይ ዝተባህለ ወታደራዊ ውልቀ ኩባኒያ ብሪታኒያ እወን በቲ ማዕቐብ ከምዝተኻተቱ ኣፍሊጦም፡፡

ብተመሳሳሊ ካብ ቢ ቢ ሲ፣ ጋርዲያንን ዴይሊ ቴሌግራፍ ዝተውፃእፅኡ ብሪታኒያውያን ጋዜጠኛታት ማዕቐብ ከምዝተነበረሎም ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.