Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ 10 ዲፕሎማታት ዝተፈላለያ ሃገራት ሰጒጓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ 10 ዲፕሎማታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ መስኮ ለቒቖም ንክወፅኡ ኣዚዛ።

እቶም ዲፕሎማታት ኢስቶኒያ፣ላቲቪያን ሊውትኒያን ገፅታ መስኮ ንምብልሻው ተንቀሳቒሶም ኢዮም ብዝበል ኢዩ እቲ ስጉምቲ ተወሲዱ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ገሊፁ።

ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣብ መንጎ እታ ሃገርን ምዕራባውያንን ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ኲናት ይበኣኣስ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮፓ ዲፕሎማታት ሩሲያ ኣባሪረን ኢየን ክበል ኣር ቲ ፀብፂቡ።

ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣየርላንድ፣ ቤልጅም፣ ኔዘርላንድስን ቼክ ሪፐብሊክን 43 ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ሩስያ ካብ ሃገረን ክወፅኡ ኣዚዘን።

እዚ መቐፀልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፖላንድን ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ዝወሰዳኦ ስጕምቲ እዩ ተባሂሉ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.