Fana: At a Speed of Life!

ሪፎርም ምትዕድዳግ ነዳዲ ውፅኢት የመዝግብ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ቅርሚ ሓደ ዓመት ዝተጀመረ ሪፎርም ምትዕድዳግ ነዳዲ ውፅኢት የመዝግብ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፈፃፅማ እቲ ሪፎርም ብዝምልከት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝገበሮ መድረኽ ዘተ ኢዩ እዚ ሓሳብ ቀሪቡ።

ኣብቲ ገምጋም፥ ብምኽኒያት ድጎማ ነዳዲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝነበረ ፅዕንቶ ልቓሕ ኣብ ምቕናስ፣ ብምኽኒያት ምክፍፋል ነዳዲ ዝረአ ዝነበረ ብኽነትን ዘይሕጋዊ ተግባራትን ኣብ ምቕናስ ልዑል ውፅኢት ከምዝተረኸበ ተሓቢሩ።

ይኹን እንበር ሐዚ እውን ብዙሓት ፀገማት ከምዘለዉ በምግላፅ፥ ትሑት እቶት ዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ብድጎማ ተረባሕነቶም ኣብ ምርግጋፅ ዝተርፉ ስራሕቲ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ጥንኩራት ስራሕቲ ብምቕፃል ንዘጋጠሙ ፀገማት ብመፅናዕቲ ዝተደገፈ መፍትሒ ምንዳይ ከምዘድሊ ኣንፈት ምቕማጡ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.