Fana: At a Speed of Life!

ርእሳነ ምምሕዳር ዝተፈላለያ ክልላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝሓፈሶ ዓወት ስዒቡ መልእኽቲ እንኳዕ ኣሕጎሰኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ርእሳነ ምምሕዳርን ምክትል ርእሳነ ምምሕዳራትን ዝተፈላለያ ክልላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝሓፈሶ ዓወት ስዒቡ መልእኽቲ እንኳዕ ኣሕጎሰኩም ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል፣ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልል ኦሮሚያን ከምኡ እውን ኣርዑት እቲ ጁንታ ንዝተሰበረሉ ህዝቢ ትግራይ “እንኳዕ ደስ በለኩም” ኢሎም።

ብሓድነት ስምዒት ዝተጀመረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ምርግጋፅ ህልውና ሃገርን ብዓወት ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ምዝዛሙ ሓዱሽ ምዕራፍ ከምዝኸፈተ እውን ገሊፆም።

ርእሰ ምምመሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ድማ፥ “እንኳዕ ደስ በለኩም እንኳዕ ደስ በለኩም ዝብል መልእኽተይ እንተመሓላልፍ ብልዑል ኩርዓት ኢዩ” ኢሎም።

“ስግብግብ ጁንታ ባዕሉ ብዝፈሓሮ ጉድጓ ንቐብሮ ኣለና፤ ናይ ዘበናት ቃልሲ ህዝቢ ክልልናን ሃገርናን ውፅኢቱ ጋህዲ ንምግባር ተቓሪብና ኣለና” ክብሉ እውን ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳው ብግደኦም፥ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብልዑል ወነን ህልኽን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብምክያድ ንህዝቢ ትግራይ ናፃ ንምውፃእ ዝገብሮ ዘሎ ወፍሪ ብዓወት እናተዛዘመ ከምዝኾነገሊፆም።

እዚ ዓቢዪ ዓወት ንኽምዝገብ ንኽብሪ ሃገር ብፅንዓት ዝተቓለሰ ሰራዊት ምክልኻል ልዑል ምስጋናን ክብሪን ከምዘለዎም እውን ኣረጋጊፆም።

ርእሰ ምምዳሕር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኣይተ ኡሞድ ኦጁሉ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባን እውን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከተማ መቐለ ብምቁፅፃሩ ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም።

እቶም ርእሳነ ምምሕር፥ ጉጅለ ህወሓት ብተደጋጋሚ ዝቐረበሉ ፃውዒት ዕርቂን ድርድርን እናረገፀ ሰላም ኣብ ምህዋኽ፣ ፀፅታ ኣብ ምንጋዕ፣ ልዕልነት ሕጊ ኣብ ምጥሓስ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ጎንፂን ሁከትን ኣብ ምፍጣር መተሓባበሪ ኮይኑ ከምዝፀንሐ ገሊፆም፡፡

ኣባላት እቲ ጉጅለ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብሩ እውን ኣረጋጊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.