Fana: At a Speed of Life!

ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታ ከምኡ እውን ቀፃልነት ሃገር ንምርግጋፅ ብሕታዊ መማረፂ ልዕልነት ሕጊ ምኽባር ኢዩ – ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታ ከምኡ እውን ቀፃልነት ሃገር ንምርግጋፅ ብሕታዊ መማረፂ ልዕልነት ሕጊ ምኽባር ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ፥ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘይሕጋዊ ተግባርን ምህዋኽ ሰላምን ከምኡ እውን ስርዓት ኣልቦነትን ንኽቆፃፀር መላእ ህዝቢ ብተደጋጋሚ ብሓደ ድምፂ ክበሃል ብዝኽእል መልክዑ እናሓተተ ፀኒሑ ኢዩ፡፡

ቅድም ክብል ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ነዞም ጉዳያት ብምግምጋም ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝግባእ ምሕባሩ ዘዘኻኸረ እቲ መግለፂ፥ ኣብዚ ሰሙን ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ኩሎም ክልላት ሓይሊታት ፀፅታ ፌዴራልን ክልላትን እናወሰዱዎ ዝርከቡ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እውን ናይዚ ኣካል ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡

ኣብ ክልል ኦሮሚያን ጎረባብቲ ክልላትን ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ምስ ካልኦት ሓይሊታት ጥፍኣት ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እናብፀሖ ዝርከብ መጥቃዕቲ ንምምካት መንግስቲ ዕዉት ስጉምቲ እናወሰደ ከምዝርከብ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሊያን ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ እናተወሰደ ዝርከብ ስጉምቲ ዕዉት ከምዝኾነን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን እውን ገሊፁ።

ኣብዚ ሰሙን ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣፅዋርን ገንዘብን፤ ብጉጅለ ተወዲብካ ውልቀ ሰባት ዘፍረዩዎ ንብረትን ኣብ ምዝራፍን ምዕናውን ዝተዋፈሩ፤ ብነብሰ ቅትለት ዝጥርጠሩ፣ ሓደ ህዝቢ ምስ ካሊእ ህዝቢ ብምግጫው እቲ ክልል ከይረጋጋእ ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ጉጅለታት ሰፊሕ ስጉምቲ እናተወሰደ ከምዝርከብ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዙርያኣን ኣብ ከተማታት ኦሮሚያ ብጉጅለ ተወዲቦም ብዝተፈላለዩ ገበናት ዘረፋ ዝተዋፈሩ፣ ዝውውር ኣፅርን ገንዘብን ዘቕብሉ ጉጅለታት፤ ከምኡ እውን ብሸሊኾም ዝኣተዉ ናይ ወያነ ልኡኻት መንግስቲ ቆራፅ ስጉምቲ እናውሰደ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታ ከምኡ እውን ቀፃልነት ሃገር ንምርግጋፅ ብሕታዊ መማረፂ ልዕልነት ሕጊ ምኽባር ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

መላእ ህዝቢ እውን ነዚ እኩይ ተግባር ሓይሊታት ፀረ ሰላም ብምግንዛብ መንግስቲ እናወሰዶ ዝርከብ ስጉምቲ ብምሕጋዝ ናይ ባዕሉ ብፅሒት ንኽዋፃእ መንግስቲ ሓቲቱ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.