Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሉእላውነት ኢትዮጵያ ናይ ምሕላው ልኡኹ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ- ሜ/ጄ ተሾመ ገመቹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሉእላውነት ኢትዮጵያ ናይ ምሕላው ልኡኹ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ዋና ዳይሬክተር ርክብ ወፃኢን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሜ/ጄ ተሾመ ገመቹ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ንጎረባብቲ ሃገራትን ቀጣናዊ ሰላምን ድሕንነትን ምሕላው ዘለዋ ሚና ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ተናጊሮም።

ሜጀር ጀኔራል ተሾመ ገመቹ፥ እቲ ሰራዊት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዝሓሸ ወታደራዊ ዓቕሚ ፈጢሩ ብቴክኖሎጂን ሰብ ሓይሊን ተደራጅዩ ናይ ሃገር ኣተኣማማኒ ሓይሊ ብምዃን ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ናይ ኢትዮጵያ ሉእላዊነትን ድንበርን ንምኽባር፣ ናይ ሀዝቢ ሰላምን ድሕንነትን ናይ ምሕላው ዝተውሃቦ ተልእኾ ብብቕዓት እናተዋፅአ ዘሎ ብቑዕ ሰራዊት ምህናፁ ኣረጋጊፆም።

ካብ ኣፍሪካ ክሳብ ኮሪያ ዝዘለቐ ናይ ሰላም ምኽባር ወታደራዊ ተልእኾ ሐዚ አውን ብዝለዓለ ብቕዓት ቀፂሉ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.