Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንመናእሰይን ኣባላት ሚሊሻን ትግራይ ፃውዒት ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መናእሰይን ኣባላት ሚሊሻን ትግራይ ንመንግስቲ ኢዶም ንክህቡ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እቲ ጉዳይ ብዝምልከት ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ውሑዳት መራሕቲ ጁንታ ብዘለዎም ስግብግብ ድልየት ካብ ተሓታትነት ሕጊ ንምድሓን ክብሉ ህዝቢ ትግራይ ንኲናት ብምስዋር ከንቱ መስዋእትነት የኽፍልዎ ኣለዉ ኢሉ።

ህወሓት ምስ ጎረባብቲ ክልላት ከምኡውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፀላኢ ነክስለፍ ብሓሶት ፕሮፓጋንዳ ህዝቢ ተደናጊሩን ተገዲዱን ናብ ጥፍኣት ንክኣቱ ከምዝተገበረ እውን ኣብቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ስሎዝኾነ ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብገበነኛታት መራሕቲ ተደናጊሮም ዘየድሊ መስዋእትነት ካብ ምኽፋል ብምቑጣብ ንመንግስቲ ብሰላም ኢዶም ንክህቡ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እዚ እንተገይሮም ንህይወቶም ውሕስና ከምዝወሃቦም ኣፍሊጡ።

ነዚ ፃውዒት ዝቐረበ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ ዘለዎ ህዝባዊ ባህሪን ነህዝቢ ተግራይ ካብ ዘለዎ ውግንናን ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

እቲ ጉጅለ ገብረ ራዕዲ ብዝፈፀሞም ግፍዒታት፣ ዘረፋን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዝፈፀሞ መጥቃዕቲን ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ነክቃለሶ ቆሪፁ ከምዝተልዓለ እቲ መግሊፂ ሓቢሩ።

እቲ ጁንታ ብዙሓት ንከንቱ ዕላማ ንዘካይዶ ኲናት ገቢሩን ወለድቲ ናይ ወላድ ምኻን ገይሩ ሐዚ እወን ተወሳኺ በግዲ ምልመላታት የካይድ ከምዘሎ ዝገለፀ እቲ ሰራዊት፥ በዚ እውን መናእሰይን ኣባላት ሚሊሻን ትግራይ ዕላማ ንዘይብሉ ኲናት መስዋእት ካብ ምዃን ንክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.