Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣክሱምን ዓድዋን ሙሉእ ብሙሉእ ከምኡዉን ከባቢ ዓዲግራት ተቖጻጺሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣክሱምን ዓድዋን ሙሉእ ብሙሉእ ከምኡዉን ከባቢ/ዙሪያ ዓዲግራት ከምዝተቖፃፀረ መፃረዪ ሓበሬታ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ኣፍሊጡ።

ኣብ ግንባር ምዕራብ ሓይሊ ጉጅለ ህወሓት ዘጥቅዕ ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ድሕሪ ሽረ ኣብ ሰለኽለኻ ዝዓረደ ሓይሊ ህወሓት ገጢሙዎ ከምዝነበረ ገሊፁ።

ኣብ ሰለኽለኻ ዝዓረደ ሓይሊ ጁንታ ህወሓት እቲ መገዲ ብዶዘር ቆሪፁን ነቲ ኣስፋልት ኣበላሽዩን ኣብቲ ቦታ ከቢድ ምክልኻል ገይሩ ኢዩ ተባሂሉ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነቲ ሓይሊ  ምክልኻል ጁንታ ሰቢሩ ብምእታው ኣክሱም ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝተቖፃፀረ ተገሊፁ።

ካብ ኣክሱም ናብ ዓድዋ ኣብ ዝነበረ ጉዕዞ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ሓይሊ ጁንታ ንምክልኻል እንተፈተነ እዉን ሰራዊት  ምክልኻል ሃገር ክዕወት ከምዝኸኣለ ተገሊፁ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እንትጮን ከባቢ ዓዲግራትን ብምቁጽጻር ናብ ከተማ ዓዲግራት ይግስግስ ኣሎ።

ብዙሓት ተዋጋእቲ እቲ ጁንታ ኢዶም ዝሃቡ እንትኾኑ፥ ከዲዖም ምስቲ ጁንታ ብምዃን እንትዋግኡ ዝነበሩ ወተሃደራት እዉን ዝርከብዎም ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.