Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ሰላምን ሉኣላውነትን እዛ ሃገር ናይ ምኽባር ተልእኹኡ ብልዑል ተኽእሎ ንምውፃእ ኣብ ዘኽእል ብቕዓት ከምዘሎ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ልዕሊ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘነፃፀረ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ንምምካትን ዓፀፋዊ ግብረ መልሲ ንምውሳድን ድሉው ከምዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ጠቅላይ ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ጀኔራል ኣደም መሓመድ፣ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ብርጋዴር ጀኔራል ይልማ መርዳሳን ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ሰራዊትን ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዑደት ኣሳሊጦም።

ብኢትዮጵያውያን ዝህነፅ ዘሎ ግድብ ብዝምልከት እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓታት ተዘዋዊሮም ከምዝተዓዘቡ ካብ ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።።

ጠቅላይ ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ጀኔራል ኣደም መሓመድ ኣብ እዋን እቲ ዑደት፥ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ሰላምን ሉኣላውነትን እዛ ሃገር ናይ ምኽባር ተልእኹኡ ብልዑል ተኽእሎ ንምውፃእ ኣብ ዘኽእል ብቕዓት ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣብ ልዕሊ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘነፃፀረ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ንምምካትን ዓፀፋዊ ግብረ መልሲ ንምውሳድን ድሉው ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጦም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ግድብ ህዳሰ ንክዛዘም ህዝብን መንግስቲን ዝሃቦ ተልእኾ ብዝለዓለ ብቕዓት ከምዝዋፃእ ዝሓበሩ ጀኔራል ኣደም፥ እቲ ፕሮጀክት ህንፀቱ ካብ ዝተጀመረሉ ኣትሒዙ ካብ ወርሓዊ መሃይኡ ብምቑጣብ ብፅሒት ዜግነቱ ከምዝተዋፅአ ሓቢሮም።

እቲ ዑደት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘለዎ ብርኪ ብኣካል ንምርኣይ ካብ ዝህቦ ረብሓ ብተወሳኺ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ዝንዝሑ ኣሉባልታታት ንምምካት ዘኽእል ተበግሶ ንክህሊ ዝገብር ኢዩ ኢሎም።

እቲ ሰራዊት ሕገ መንግስታዊ ተልእኹኡ ብብቕዓት እናተዋፅአ ከምዝመፅአ ብምሕባር ንቐፃሊ እውን እዚ ተግባር ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም።

ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ብርጋዴር ጀኔራል ይልማ መርዳሳ ብግደኦም፥ እቲ ሓይሊ ኣየር ኣብዚ ከባቢ ዝነፃፀር መጥቃዕቲ ኣየር ንምምካት ኢሉ እውን ዓፀፋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ድሉዊ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.