Fana: At a Speed of Life!

ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝፀዓኑ ተሽከርከርቲ ዘይተፈቐደ ጥረ ገንዘብን ናውቲታትን ምሕላፍ ዝተወገዘ ኢዩ-ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝፀዓኑ ተሽከርከርቲ ዘይተፈቐደ ጥረ ገንዘብን ናውቲታትን ምሕላፍ ኣጥቢቑ ከምዘግዝ ኣፍሊጡ።

ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ዓፋር፣ ጣቢያ ተፍቲሽ ሰርዶ ሓደ ብኽራይ ዝመፅአ ገናሒ መኪና  ገንዘብን ካልኦት ዘይተፈቐዱ ናውቲታትን እንትተጎዓዕዝ ዝተረኸበሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓነ ተዕከርካሪ ኣዝዮም ኣድለይቲ ዝኾኑ ናውቲታት ሕክምናን ረዲኤትን ናብ ትግራይ ብምጉዕዓዝ ዝተፈፀመ ተግባር ከምዝኾነ ገሊፁ።

ዘይተፈቐደ ገንዘብን ናውቲን ብስሩዕ ኣሰራርሓ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና ተሽከርከርቲ ብዝግበር ተፍቲሽ ብሰብ መዚ ዝተረኸበ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ብኪራይ ናይ ዝመፅአ መኪና ገናሒ ሽዑንሽዑ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓተ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ እቲ ብኪራይ ዝመፅአ ተሽከርካሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝዩ ንዘድሊዮም ሰባት ኣብ ምጉዕዓዝ ጥራሕ ትኹረት ክገብር ይግበኦ ከምዝነበረ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል፥ ምስቲ ዘይተፈቐደ ገንዘበን ናውቲን ምንም ርክብ ከምዘይብሉን እቲ ተግባር እውን ኣጥቢቑ ከምዘውግዞን ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.