Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ኣብ ዝመረፆ ከባቢ ናይ ምንባርን ሃፍቲ ናይ ምፍራይን መሰሉ ኣብ ምርግጋፅ ኩላትና ክንሰርሕ ኣለና-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ ሎሚ መዓልቲ  ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣቕሪቦም።

ብመሰረት እዚ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ኣብ እዋናዊን ሃገራዊን ጉዳይ ጠመተ ዝገበሩ ሕቶታት ቀሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብርሂን፥

ሰላምን ምርግጋዕን  ብዝምልከት

ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ 6 ወርሒ ካብ ዝነበረ ኩነታት ኣዝዩ ዝሓሸ ሰላምን ምርግጋዕን ኣሎ ኢሎም።

ብፍላይ ኣብ ሸነኽ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ብስምምዕነት ደው ምባሉ ነቲ ሐዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላምን ምርግጋዕን ዝሓሸ ዕድል ምፍጣሮም እውን ተዛሪቦም።

ይኹን እንበር እዚ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ኣብ ምብፃሕ ሐዚ እውን ልዑል ስራሕ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

ኣብ እዋን ኲናት በቢከባቢኡ ዝተፈጠረ ቁስሊን ዕንወትን ብቐሊሉ ኣብ ሓፂር እዋን ይፍወስ ኢዩ ኣይበሃልን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ይኹን እንበር ደለይቲ ኲናት ብሰንኪ ዘናፍስዎ ዘየለ ወረን ሽርሕን እቲ ፀገማት ኣብ ምቕራፍ ናይ ባዕሉ ፅዕንቶ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ኣብ ምጅማር እዚ ለውጢ “ዝቐትል ሰይፊ ኣየድልየናን” ከምዝበልናዮ ሰላም ኣብ ምምፃእ ከም ኲናት ጅግንነት የድሊ ኢዩ፤ እዚ ማለት ኲናት ንምግባር ሰባት ንምእማን ቀሊል ኢዩ ሰላም ንምምፃእ ግን ካብኡ ንላዕሊ ፃዕሪ ኢዩ ዝሓትት ኢሎም።

ሰላም ንምምፃእ ኩሉ ሰብ “ካብ ሰላም ይርባሕ ኢየ” ዝብል እምነት ክህልዎ ኣለዎ፤ ከም ኣባላት ባይቶ ድማ እዚ ኢዩ ትፅቢት ዝግበር ክብሉ ገሊፆም።

ሚዲያታት ንሰላም ዘለወን ኣስተዋፅኦ፦

ሚዲያ ንህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ቁልፊ መሳርሒ ኢዩ፤ ይኹን እንበር ነፃነት ሚዲያ ዝብል ጥራሕ ብምውሳድ ኩሉ ነገር ናብ ዕዳጋ ዘቕርብን ንህውከትን ዕግርግርን መበገሲ ዝኾኑ ዛዕባታት ዘቕርቡን ሚዲያይ ካብ ምስማዕ ንሓድነትን ሰላምን ዝሰርሑ ሚዲያታት ምድማፅ ናይ ኩሉ ሰብ ሕርያ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ ኢሎም።

ሚዲያታትና እውን ዘየለ ጎንፂ ካብ ምፍጣር፣ ዘይሞተ ሰብ ሞይቱ ኢሎም ካብ ምዝጋብ፣ ጎንፂ ካብ ምብዛሕ ወዘተ  ክርሕቑ ኣለዎም።

ጎንፂ ዝፈጥሩን ዘባዝሑን ሚዲያታት ካብ ክሳድ ሃበል ንምውሳድ ክሳድ ዝቖርፁ ኢዮም ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ መብርሂኦም።

ተዘዋዊርካ ናይ ምስራሕ መሰል ዜጋታት

ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ዝግበር መሰል ዝውውር ዜጋታት ብዝዛመድ ንዝተልዓለ ሕቶ፥ ሰብ ኣብ ዝመረፆ ከባቢ ናይ ምንባርን ሃፍቲ ናይ ምፍራይን መሰሉ ኣብ ምርግጋፅ ኩላትና ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

ይኹን እንበር ህውከትን ዕግርግርን ንምፍጣር ዘኽእል ልኡኽ ብምሓዝ ብፍላይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር ጉዕዞ ኣብ ቀረባ እዋን ምርኣዩ ኣዘኻኺሮም። እዚ ተግባር ንክእረም ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተሰርሐን ንቐፃሊ እውን ህዝቢ ብምስታፍ ከምዝስራሕን ኣረጋጊፆም።

በቢከባቢኡ ብሰንኪ ዘሎዉ ዘይሕጋዊ ዕጡቓት ዝናጋዕ ሰላም ህዝቢ ናብ ንቡር ንምምላስ መንግስቲ ኣድላዪ ፃዕሪ ክገብር ኢዩ ኢሎም።

ነዚ ድማ ዕጡቓት ብሰላማዊ መገዲ ዕጥቆም ንክፈትሑ ኣብ ምግባርን ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዝነበረ ጎንፂን ኲናትን ኣብ ሓደ ከባቢ ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣባላት ፀፅታን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካብቲ ከባቢ ብምልዓል ፀገማት ናብ ዘለዎም ከባቢታት ክዛወሩ ብምግባር እቲ ሐዚ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ትልሚ ተታሒዙ ከምዘሎ ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.