Fana: At a Speed of Life!

ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ቅርሕንቲ ናይ ምፍጣር ዓላማ ኣይብላን-ቀ/ሚ ሃምዶክ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኣብደላ ሃምዶክ ምስ ብሄራዊ ጣቢያ ቴሌቭዥን እታ ሃገር ኣብ ዝነበሮም ቃለ መሕትት “ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ቅርሕንቲ ናይ ምፍጣር ዓላማ ኣይብላን” ክብሉ ገሊፆም።

ምስ ዶብ ኢትዮጵያ ብዝተተሓሓዘ ዝተፈለየ ፀገም ዶብ የለን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እዚ ድማ ቅድም እንትብል ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት እውን እንተኾነ ዝነበረ ኢዩ ኢሎም።

ሱዳን ምስ ዝተፈላለያ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ዶብ ፀገም የጋጥማ ከምዝነበረ እውን ኣዘኻኺሮም።

“ምስ ኢትዮጵያ ብባህሊ፣ ታሪክ፣ መልክኣ ምድርን እወንታዊ ጉርብትናን ዝተኣሳሰረ ርክብ ኢዩ ዘለና” ክብሉ እውን ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኣብ መንጎና ዝፍጠሩ ፀገማት ብሰለማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዘኽእሉ ሜላታት ኣለዉና ኢዮም ኢሎም።

ብመሰረት እዚ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ በዚ መገዲ ከምዝፍታሕ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.