Fana: At a Speed of Life!

ሲኖዶስ ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ግልጋሎት ስርዓተ ቅዳሰ ብዝተወሰኑ ካህናት ንኽወሃብ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዋሚ ሲኖዶስ ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ግልጋሎት ስርዓተ ቅዳሰ ሓዊሱ ካልኦት መንፈሳዊ ኣገልግሎታት ካብፅባሕ ጀሚሩ ብዝተወሰኑ ካህናት ንኽወሃብ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ሲኖዶስ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ እቲ ኣገልግሎት ካብ ዝህቡ ዝተወሰኑ ካህናት ወፃእ ካልኦት ኣገልገልቲን ምእመናንን ኣብ ገገዝኦም ንኽፀንሑ ከምዝተወሰነ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣገልግሎት ዝፀንሑ ካህናት ድማ ኣብ ቀፅሪ እተን ኣቢያተ ክርስቲያን ክኾኑ ብምግባር ኣድላዪ ህብስቲ ሰርክን ቀረብ ምግቢን ንኽዳለወሎም ተወሲኑ ኣሎ።

ኣብ ትሕቲ ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያን፤ ኣብ መላእ ሃገረ ስብከት ዝርከባ መንፈሳዊ ኮሌጃት፣ መሰልጠኒ ህፃናትን ዘበናዊ ኣቢያተ ትምህርቲን ኣድላዪ ምድላው ተገይሩለንን ክማልኡ ዝግበኦም ነገራት ተማሊኡለንን ንመፅንሒ ሕሙማት ክኾና ብምግባር፥ እቲ ለበዳ ሕማም ክሳብ ዝጠፍእ ኣገልግሎት ንኽህባ ዝምልከቶ ኣካል ተረኪቡ ንኸተኣናግደለን እውን ውሳነ ተመሓላሊፉ ኣሎ።

ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ፥ ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝግበር ፃዕሪ ንምሕጋዝ ብር 3 ሚሊየን ከምዘወፈየት ተገሊፁ።

ኣብቲ መግለፂ፥ ሕብረተሰብ ካብ ሰብ ሞያታት ጥዕና ዝወሃቡ ምኽሪታትን መምርሒታትን ብግቡእ ንኽትግብሩ ፃውዒት ቀሪቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.