Fana: At a Speed of Life!

ሳልሳይ ምዕራፍ ሃገራዊ ልዝብ ኣብ ወርሒ ግንቦት ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳልሳይ ምዕራፍ ሃገራዊ ልዝብ ኣብ ወርሒ ግንቦት ክጅመር ኢዩ ተባሂሉ።

ሃገራዊ ኮሚሸን ልዝብ ክሳብ ሐዚ ዝሰርሖም ስራሕቲ ብዝምለከት ንላዕለዎት ኣመራርሓ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን መዳርግቲ ኣካላት ፀብፃቡ ኣቕሪቡ።

ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርዓያ፥ እቲ ኮሚሽን ክሳብ ሐዚ ከይዲ እቲ ዘተ ተኣማኒ፣ ግልፂ፣ ኣሳታፊን በዓል ዋናነት ህዝቢ ዘረጋገፀን ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ኣብቲ መድረኽ ተዛሪቦም።

ብመንግስቲ፣ ክልላትን ዜጋታትን ልዑል ደገፍን ድልየትን ምህላዎም እውን ሓቢሮም።

እቲ ዘተ ንምክያድ ዘኽእሉ ስርዓታት ኣሰራርሓ ናይ ምድላው ስራሕ ከምዝተዓመመ ኣዘኻኺሮም።

ኣብቲ ዝተሰናድኡ ስርዓታት ኣሰራርሓ ብዝምልከት መስ ክልላት፣ ምምሕዳራት ከተማን ዝምልከቶም ኣካላትን ዘተ ከምዝተገበሩን እታዎታት ከምዝተኣከቡን ኣብሪሆም።

ኣፈ ጉባዔ እቲ ባይቶ ታገሰ ጫፎ ብግደኦም፥ እቲ ኮሚሽን ክሳብ ሐዚ ዝዓመሞም ዕማማት እወንታዊን ኣፍልጦ ዝወሃቦምን ከምዝኾኑ ምግላፆም ካብሪ ቤት ምክሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.