Fana: At a Speed of Life!

ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ እስራኤልን ሃማስን ተግባራዊ ምግባር ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤልን ሃማስን ንኣርባዕተ መዓልቲታት ምቁራፅ ተኹሲ ንምግባር ዝበፅሐኦ ስምምዕነት ሎሚ መዓልቲ ተግባራዊ ምግባር ከምዝጀመረ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ኲናት ዝርከቡ እስራኤልን ሃማስን ቅድሚ መዓልቲታት ንኣርባዕተ መዓልቲ ዝፀንሕ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ምግባሮም ይዝከር፡፡

ይኹን እምበር ብተዋጋእቲ ሓይሊታት ዝተበፅሐ ስምምዕነት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተግባራዊ እንተይተገበረ ምፅንሑ ቲ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ብኣቆፃፅራ ሰዓት እቲ ከባቢ ሰዓት 7 እቲ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ተግባራዊ ምግባር ከምዝተጀመረ ተገሊፁ፡፡

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ድማ ሃማስ ክሳብ ሕዚ ዓጊቱ ዝሓዞም 50 እስራኤላውያን ዝለቅቕ ንትኸውን÷ እስራኤል ብወገና ኣብታ ሃገር ዝተኣሰሩ 150 ፍልስጤማውያንን ክትፈትሕ ኢያ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብኣማኢት ዝቑፀራ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ነዳዲን ኣፋውስን ዝፀዓና ተሽከርከርቲ ናብ ጋዛ ከምዝኣትዋ ትፅቢት ይግበር፡፡

እስራኤል እውን ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ኩሎም ከባቢታ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ወታደራዊ ምንቅስቓስ ምግባር ከምእተቋርፅ ተገሊፁ፡፡

49 መዓልቲ ኣብ ዝመልኦ ኲናት እስራኤልን ሃማሰን÷ ክሳብ ሕዚ ኣብ ጋዛ ልዕሊ 14 ሺሕ ዜጋታት ንሕልፈት ከምዝተቓልዑ ሓበሬታታት የመላኽቱ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.