Fana: At a Speed of Life!

ስራሕቲ ምጥንኻር ኣናእሽቲ ግድባትን ልምዓት መስንኖን ኣማራፂ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምስፍሕፋሕን ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ምጥንኻር ኣናእሽቲ ግድባትን ልምዓት መስንኖን ኣማራፂ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምስፍሕፋሕን ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣተሓሳሲቦም።

ፀብፃብ ኣፈፃፅ ሽዱሽተ ወርሒ በጀት ዓመት ቀዳማ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣካል ፕሮጀከት መኣዲ ንሃገር ኣብ ዝኾነ ሃላላ ኬላ ግምገማ ተኻይዱ።

ኣብቲ ግምገማ ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ኣመላኸትቲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝተመዝገቡ ውፅኢታት፤ ንኢትዮጵያ ቀፃልነት ዘለዎ ምዕባለ ኣብ ምምፃእ ዓብዪ ተስፋ ዝተሓንገጡ ከምዝኾኑ ተመልኪቱ።

በዚ ድማ ልምዓት መስኖ ሓዊሱ ዘፈር ሓይሊ፣ ንግዲ ወፃኢ ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲ መዓድንን ኢነርጂን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ዝበረታትዑ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣፈፃፅማ ፈላማይ መንፈቕ ዓመት በጀት ዓመት ማክሮ ኢኮኖሚ ከምዘመላኽቶ ዓመታዊ ዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ 7 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ከምዝኸውን ትፅቢት ይግበር።

ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ወርሒ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ዝነኣድ ውፅኢት ዝተረኣየሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ “ኣብ ቀፃሊ ብፍላይ ስራሕቲ ምጥንኻር ኣናእሽቲ ግድባት ልምዓት መስንኖን ኣማራፂ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምስፍሕፋሕን ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ጠለብ መስተ ማይ ዜጋታት ብዝድለ መጠን ምምላስን ዝሐሸ ስራሕ ምስራሕን እውን ቀፃሊ ኣንፈት ትኹረት ክኸውን ከምዝግባእ እውን ኣመልኪቶም። ሚኒስቴር ነስኖን ቆላማ ከባቢን ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 48 ሺሕ ፓምፕታት ማይ ብምእታው ንስራሕቲ መስኖ ዕዙዝ ግደ ከምዝነበሮ ብምዝኽኻር÷እዚ ድማ ቀፃልነት ክህልዎ ኣገንዚቦም።

ብዘይሕጋዊ መልክዑ ዝወፅኡ መዓድናት ምቁፅፃርን ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ እታወታት ህንፀት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ክፈርዩ ምስራሕን እውን ናይ ቀፃሊ ኣንፈት ትኹረት ክኸውን ይግባእ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንዕቤት ኢኮኖሚ ዓብዪ ግደ ከምዝተዋፅአ ብምሕባር፤ “ኣብ ቀፃሊ ዝቕባበ ዋጋ ብምቁፅፃር ዝተረጋገአ ስርዓት ኢኮኖሚ ንምፍጣር ክሰርሕ ኣለዎ” ኢሎም።

ኣብ ሽዱሸተ ወርሒ እቲ በጀት ዓመት ን1 ነጥ 5 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ኣብ ቀፃሊ ተወሰኽቲ ስራሕቲ ምፍጣር ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.