Fana: At a Speed of Life!

ስርዓተ ቀብሪ ኣርቲስት ሂሩት በቀለ ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስርዓተ ቀብሪ ኣርቲስት ሂሩት በቀለ ተፈፂሙ።

እታ ኣርቲስት ምስ ባንድታት ዳህላክ፣ ዳሽንን ዋልያን ብዙሓት ስራሕቲ ዝሰርሐት ኢያ።

ንኣስታት 35 ዓመታት ኣብ ክፍቲ ቲኣትር ፖሊስ ሰራዊት ከምዘገልገለት ድማ ኣብቲ ስነሰርዓት ተገሊፁ።

ኣብ 35 ፃኒሒት እዋና ልዕሊ 200 ሙዚቃታት ኣበርኪታ።

ካብ 1987 ዓ.ም ጀሚሩ ን25 ዓመታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብምግልጋል ሰለስተ ኣልበማት መዝሙር ከምዘበርከተት እውን ተገሊፁ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ ዝዓበየት  ሂሩት ኣዶ ሰለስተ ቆልዑት ኢያ ነይራ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 4 ግንቦት 2015 ዓ.ም ኣብ መበል 80 ዓመታ ብዝሓደራ ሕማም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈለየት እታ ኣርቲስት፥ ስነ ስርዓት ቀብራ ሎሚ መዓልቲ ኣብ  ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ ተፈፂሙ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.