Fana: At a Speed of Life!

ስርዓት ምርጫ ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ዝውዕል ደገፍ ስምምዕነት ገንዘብ 30 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስርዓት ምርጫ ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ዝውዕል ደገፍ ስምምዕነት ገንዘብ 30 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ተፈሪሙ።

እቲ ስምምዕነት ኣብ መንጎ ሚኒስቴር ገንዘብ፣ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያን ትካል ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኢዩ ተፈሪሙ።

እቲ ፕሮጀክት ሰለስተ ሸቶታት ዘለውዎ እንትኸውን፥ ትካላዊ መሓውር ቦርድ ምርጫ ብምጥንኻር ነፃ፣ ፍትሓዊ፣ ኣሳታፊ፣ ተኣማኒንን ደረጅኡ ዝሓለወ ምርጫን ህዝበ ውሳነን ንክካየድ ነቲ ትካል ምጥንኻር ዝብል ሓደ ኢዩ።

ካልኣይ ድማ፣ ምስ ስቪክ ትካላት ብምዃን ኣብ ከይዲ ምርጫ ተሳትፎ መናእሰይን ደቂ ኣኒስቲዮን ክብ ምባል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ነፃ፣ ፍትሓዊን ተኣማኒን ምርጫ ንክካየድ ዘኽእል ምቹእ ኩነታት ምፍጣር ሳልሳይ ሸቶ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ዓማውቲ ተግባራዊ ከምዝግበር ኣብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.