Fana: At a Speed of Life!

ስነ ሰርዓት ሎሬት ኣርቲስት ለማ ጉያ ሎሚ መዓልቲ ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስነ ሰርዓት ቀብሪ ሰኣሊ ሎሬት ሻምበል ኣርቲስት ለማ ጉያ ሎሚ መዓልቲ ተፈፂሙ።

ኣርቲስት ለማ ጉያ(ናይ ክብሪ ዶክተር) ብሕክምና ክሕገዙ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ መበል 92 ዕድመኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ይዝከር።

ሎሬት ኣርቲስት ለማ ጉያ ኣብ ዝሓለፉ 62 ዓመታት ልዕሊ 10 ሺሕ ስእሊታት ኣብ ቆርበት ጥየል ብምስኣል ናእዳ ረኺቦም ኢዮም።

ስራሕቶም እውን ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ስነ ጥበብ ለማ ጉያ ንምርኢት የቕርቡ ነይሮም።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ሎሬት ኣርቲስት ለማ ጉያ ቤተሰቦምን ደገፍቶምን ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ ዕለተ ሓሙስ ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ ተፈፂሙ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.