Fana: At a Speed of Life!

ስደተኛታት ኤርትራ ኣገልግሎት ናብ ዝህቡ መዓስከር ጣቢያታት ንምምላስ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ስደተኛታት ኤርትራ ኣገልግሎት ናብ ዝህቡ መዓስከር ጣቢያታት ንምምላስ ይስራሕ ከምዘሎ ኤጀንሲ ጉዳይ ስደተኛታተን ካብ ስደት ተመለስቲን ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ተስፋሁን ጎበዛይ፥ ቅድሚ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ትግራይ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባ 8 ሺሕን 400፣ ሕፃፅ 11 ሺሕን 800፣ ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን 29 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይነብሩ ከምዝነበሩ ገሊፆም።

ይኹን አንበር ድሕሪ እቲ ወፍሪ ብምኽኒያይ ስግኣት ፀፅታ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባን ሕፃፅን ዝነበሩ ስደተኛታት ካብቶም ጣቢያታት ብምውፃእ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከምዝኸዱ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ክሳብ 27 መጋቢት 2013 ዓ.ም ካብቶም መዓስከራት ዝወፅኡ 7 ሺሕን 16 ስደተኛታት ናብ ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ንክመፅኡ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

እቲ ኤጀንሲ ብዝገበሮ ምፅራይ ካብእቶም ዝተዓፀዉ መዓስከራት ናብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ዓፋርን ኣዲስ ኣበባን ነዝኸዱ ስደተኛታት ኤርትራውያን ምኳኖም ብምርግጋፅ ኣብ ዘለውሉ ብምዃን ኣድላዪ ደገፍ ይግበረሎም ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብ ክልቲአን መዓስከራት ዝወሃብ ኣገልግሎት ክብ ንምባል ይስራሕ ከምዘሎ እወን ገሊፆም።

ብተወሳኺ ካብ ሽመልባን ህጻጽን ዝወፅኡ ስደተኛታት ኤርትራ ኣገልግሎት ናብ ዝህቡ መዓስከር ጣቢያታት ንምምላስ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.