Fana: At a Speed of Life!

ስጉምቲታት ምምሕያሽ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ንፍሰት ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ምቹው ዕድል ከምዝፈጥር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስጉምቲታት ምምሕያሽ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ንፍሰት ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ምቹው ዕድል ከምዝፈጥር ምክትል ቀዳማይ ሚኒሰትር ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ ለንደን ኣብ ዝተኸየደ ጉባኤ ኢንቨስትመንት ብሪታኒያ – ኣፍሪካ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመሩ ኩለ መዳይ ምምሕያሻት ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምስሓብ ከምዝሕግዙ ተዛሪቦም።

እቶም ስጉምቲታት ምስ ባህሪ ጉዕዞ ለውጢ እታ ሃገር ተናቢቦም ዝውሰዱ ስለዝኾኑ፥ ኣብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ዝጎደለ ንምምላእን ቅልጡፍ ውፅኢት ንምምዝጋብን ከምዝሕግዙ ኣብሪሆም።

ብፍላይ ኣብ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ዓውዲታት ሎጂስቲክስን ዝተወሰዱ ሰጉምቲታት ኣብ ፍሰት ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ርኡይ ሓገዝ ከምዝህቡ ኣይተ ደመቀ ገሊፆም።

ላዕለዋይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ማሞ ምህረቱ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶም ሃገር በቆል መማሓየሺታት ኢኮኖሚ ተሳትፎ ዘፈር ውልቀ ንምዕባይ ሰፊሕ ዕድልን ተስፋን ዝሰነቑ ኢዮም ኢሎም።

ጉባኤ ኢንቨስትመንት ብሪታኒያ – ኣፍሪካ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን እንግሊዝን ዘሎ ምትሕብባር ንግዲን ኢንቨስትመንትን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይ ዝሓሸ ኣጋጣሚ ዝፈጠረ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዓውዲታ ቀረብ መኣድንን ሓይሊ “ጂኦተርማል”ን ሓደሽቲ ውሳነታት ኢንቨስትመንት ዕላዊ ምግባሮም ካብ ቤት ፅሕፈት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.