Fana: At a Speed of Life!

ሻንግቴክስ ጋርመንት 50 ሚሊየን ዶላር ወፃኢ ብምግባር ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ቦሌ ለሚ ህንፀት ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሻንግቴክስ ጋርመንት 50 ሚሊየን ዶላር ወፃኢ ብምግባር ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ቦሌ ለሚ ህንፀት ጀሚሩ።

ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ህንፀት በቲ ኩባኒያ ዝህነፁ 3 ሼዳት ንሕድሕዶም 10 ሺሕ ሜትሮ ስኩዌር ስፍሓት ዘለዎ እንትኾኑ፥ ህንፀቶም ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክዛዘም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ክልተ ሼዳት ፋብሪካ ከምዝህነፁ ካብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕበር።

ሻንግቴክስ ጋርመንት ኣብ ቻይና ብዓውዲ ጨርቃመርቂ ካብ ዝተዋፈሩ ኩባኒያታት መበል ካልኣይ ግዙፍን ኩባኒያ ከምዝኾነ ተገገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.