Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ በዓል መስቀል ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2015 ( ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል መስቀል ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ እቲ በዓል ዝሓለፈ ፈተና እነወግደሉን ንመፃኢ ተስፋ እንሰንቀሉን ይኹን ኢሎም።

ከምኡውን ኢትዮጵያ፥ ዝነበሩ ፀገማታ ነክትፈትሕ መኣዲ ንደቃ ኣብ ዘድሊዮም ምግቢ ንክትመልእ እንደሊ ደቃ ኩላትና ሓቢርና ንለዓል ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኢትዮጵያውያን ዘተኣሳሰረና ገመድ ክብጠስ ዘይኽእል ጠንካራ ምዃኑ ካብ ዘርእዩ እዋናት ሓደ ወርሒ መስከረም ኢዩ ብምባል፥ ኣብዝሓ ናይ ሃገርና ብሄረሰባት ሓዱሽ ዓመቶም ዘኽብርዎ ኣብ እዋን መስከረም ተቐራራቢ እዋን ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

መበገሲኡ ናይ ሓድነትና፣ እቲ ኣከባብራ ዝተፈላለየ ምዃን ድማ መርኣዪ ሕብራዊነትና ኢዩ ኢሎም።

እዚ ጉዳይ ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ፣ ካብ ምዕራብ ክሳብ ምብራቕ ተመሳሲሉን ተቐራሪቡን እንትኽበር ምርኣይ ኢትዮጵያ እትበሃል ሃገርና ዝተኣሳሰረትሉ ውሽጣዊ ሱር ንክንምርምር ዝገብረና ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

ዳመራ እንትበርህ ፀልማት ብብርሃን፣ ቁርን ዛሕሊን ብሙቐት፣ ፅዕንዕን ብተስፋ ኢዩ ዝትካእ ኢሎም።

እዚ ድማ ኣፀጋሚን ፈታኒን እዋን ምስጋርና ብዳመራ ዘበስር ኢዩ ክብሉ ኣገንዚቦም።

ስለዚ እቲ እዋን ሒዙዎም ዝመፁ በዓላትን ዝተፈላለዩ ኩነትን ምኽኒያት ወርሒ መስከረም ንኢትይጵያዊያን ግዙፍ መርኣያ ኢዩ ኢሎም።

ዝሓለፈ ዓመት፥ ሃገርና ሓምለዋይ ዝለበሰትሉ፣ ኢኮኖሚኣ ፈተናታት ዝተሳገረሉ፣ ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ዝተኻየደሉን ተርባይናትሓይሊ ምፍልፋል ዝጀመሩሉን፣ ሓድነት ህዝቢ ከም ሓፂን ዝጠንከርሉ፣ ብፅንዓት ደው ዝበልናሉን ዝተጀመሩ ፕሮጀክቲታት ልምዓት ኣብ ምዝዛም ዝበፅሕሉን ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

 

መንግስቲ በዚ ይኹን በቲ ዘሎ ኩሉ ማዕረ ዝርእዮ ህዝቡ ብምዃኑ ኢትዮጵያ ካብ ምጥፋእ ንምድሓን፣ ህዝቢ ካብ ብተና ንምድሓንን ከም ሃገር ብምቕፃል ንመፃኢ ትውልዲ ሉእላዊት ኢትዮጵያ ንክወርሱ እንትበሃል ኲናት ዘይኮነስ ናይ መወዳእታ ናይ ምክልኻል ኣማራፂ ወሲድና ኣላና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሐዚ እውን እንገብሮ ዘለና ናይ ምክልኻል ኲናት እዚ ታሪካዊ ሓደራ ንምውፃእን ብሄራዊ ረብሓና ካብ ሓደጋ ንምክልኻልን ተሓሳቢ ዝገበረ ኢዩ ኢሎም።

መነግስቲ ኢትጵዮጵያ ንሰላም ዝኸፈሎ ዋጋ ስለዝፈልጥ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘምህሮ ከምዘየለ ኣገንዚቦም።

ስለዝኾነ ዘጋጠመና ወረራ ብሰላማዊ መገዲ ንክፍታሕ ኩሉ ገይርና ኢና ኢሎም።

“ንመላእ ኢትዮጵያውያን ዘረጋግፀልኩም ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ብክልተ ኢዳ እናሰርሐት ዘጋጠማ ፈተና ክትሳገር ኢያ” ክብሉ ኣብ መልእኽቶም ኣረጋጊፆም።

ኣብ መዛዘሚ መልእኽቶም፥ በዓል መስቀል ዝሓለፈ ፈተናና እነወግደሉ ንመፃኢ ተስፋ እንሰንቀሉ ክኸውን ተመኒዮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.