Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ፓርቶም ንምምራሕ ኣብዝተገበረ መረፃ ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ሊኩድ ፓርቲ ንምምራሕ ኣብዝተገበረ መረፃ ተዓዊቶም።

ካብ ውሽጢ 116  ሺሕ ኣባላት ሊኩድ ፓርቲ 49 ሚኢታዊ ዝኣኽሉ ሰባት ድምፂ ዝሃቡ እንትኾኑ፥ ኔታኒያሁ ድማ እቶም ዝመረፁ ሰባት 72 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ድምፂ ብምርካብ ክስዕሩ ክኢሎም።

ተናሓናሒ ኔታኒያሁ ዝነበሩ ወዲ 53 ዓመት ጌዴዎን ሳኣር፥ ስዕረቶም ኣሚኖም ከምዝተቐበሉን ኣብ ወርሒ መጋቢት ንዝካየድ ሓፈሻዊ መረፃ ንኔታኒያሁ ከምዝድግፉን ኣፍሊጦም።

በዓል ፀጋ ዕድመ 70 ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤኒያሚን ኔታኒያሁ፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ሰለስተ ግዘ መረፃ ተሳሊጡ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእል ወንበር ብዘይምርካብ፣ ብጉቦን ግዕዝይናን ተኸሲሶም ናብ ሕጊ ዝቐረቡሉን ኣፀጋሚ ዓመት ከሕልፉ ተገዲዶም ኢዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ድሕሪ እቲ ዓወት ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ፥ ኣብ ዝቕፅል ሓፈሻዊ መረፃ ንፓርም ናብ ዓወት ከምዝወስዱዎን ንሃገሮም እስራኤል ብምምራሕ ዘይሕሰብ ለውጢ ንምምፃእ ከምዝሰርሑን ኣፍሊጦም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.