Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ስራሕቲ ህንፀት መገዲ ጅግጅጋ -ገለለሽ -ደጋሃምዶ ብዕሊ ኣጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ስራሕቲ ህንፀት መገዲ ጅግጅጋ – ገለለሽ – ደጋሃምዶ ብዕሊ ኣጀሚሮም።

እቲ መገዲ 166 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ እንትኸውን፥ ካብ መንጎ እዚ 56 ኪሎ ሜትሮ ነውሓት ዘለዎ ህንፀት መገዲ ጅግጅጋ -ገለለሽ ብቐዳማይ ሚኒስተር ተመሪቑ ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኑ ኣሎ።

ዝተረፈ 110 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ገለለሽ – ደጋሃመዶ – ሰገግ ድማ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ኣጀሚረምዎ ኣለዉ።

ንህንፀት እቲ መገዲ ዝኸውን 1 ነጥብ 8 ቢሊየን ብር ዝተሰለዐ እንትኸውን፥ እቲ ህንፀት ሃገር በቆል ብዝኾነ ቢኣይካ ጀኔራል ቢዝነስ ዝህነፅ ኢዩ ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ካብ ሎት ጎዴ ቀላፎ ፈርፈር ዘሎ ፕሮጀክት መገዲ ሎሚ ንጎሆ ብዕሊ ክጅምር ምግባሮም ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.