Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ክልል ሶማሌ ዘብፅሖ ጉድኣት ብዝምልከት ብኣካል ብምኻድ ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ክልል ሶማሌ ወረዳ ኣውባሬ ዘብፅሖ ጉድኣት ብዝምልከት ብኣካል ብምኻድ ተዓዚቦም።

እቲ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ልዕሊ 20 ሺሕ ሄክታር መሬት ዝተዘርአ ዝራእቲ ዕፋን ጉድኣት ከምዘብፀሐ ኣብ እዋን እቲ ዑደት ተገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ኣብቲ ወረዳ ዝተዘርአ ዝራእቲ ስርናይ ዑደት ገይሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ክልል ሶማሌ ካብ ንጎሆ ጀሚሮም ዑደት ዘካየዱ ዘለዉ እንትኾኑ፥ ኣብ ፃንሒቶም ስራሕቲ ህንፀት መገዲ ጅግጅጋ – ገለለሽ – ደጋሃምዶ ሓዊሱ ካልኦት ፕሮጀክትታት ልምዓት ብዕሊ ምጅማሮም ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.