Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዘካየድዎ ዑደት ዕዉት ስምምዕነት ዝተገበረሉ ከምዝነበረ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዘካየድዎ ዑደት ካብ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ዝፍልፍልን ንሃገራት ኣፍሪካ ካብ ዝወሃብ ትኹረት ዝተፈፀመን ብምዃኑ ዕዉት ስምምዕነት ዝተገበረሉ ከምዝነበረ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ነብያት ጌታቸው ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ብምድሃብ ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሃገራት ጊኒ፣ ኢኳቶሪያል ጊኒን ደቡብ ኣፍሪካን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከምዘካየዱ ይዝከር።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብተን ሃገራት ኣብ ዘሳለጥዎ ዑደት ስራሕ፥ ዝተፈላለዩ ሰነዳት ስምምዕነት ከምዝተፈራረሙ እውን ይፍለጥ።

ኣይተ ነብያት፥ ኣብቲ ዝተሳለጠ ስምምዕነት ፖለቲካዊ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን እተን ሃገራትን ዘጠናኽር ኣብ ዓውዲ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ውፅኢታዊ ስራሕ ተሰሪሑ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተገበረ ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲያዊ ዘተ ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ ኢዩ ዝበሉ እቶም ኣቐባሊ ቃል፥ ነዚ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ብብርኪ መንግስቲ ቃል ከምዝተኣተወ እውን ሓቢሮም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝሳለጥ መበል 33 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝኸውን ብሄራዊ ኮሚቴ ብምጥያሽ ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ጉባኤ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2012 ዓ.ም ክሳለጥ ኢዩ።

ብኣላኣዛር ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.