Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ዕላማና ኣዲስ ኣበባ ንነበርታ ምችውቲ ንምግባር ዘለና ቆራፅነት ምዕዋት ኢዩ- ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ዕላማና ኣዲስ ኣበባ ንናብራ ነበርታ ዝተመቸወትን ሰሓቢትን ከተማ ንምግባር ዘለና ቆራፅነት ምዕዋት ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን መራሕቲ ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብታ ከተማ እናተኻየደ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ልምዓት ኮሪደር ተገምጊሙ፡፡

እቲ ገምጋም ኣብ ሓሙሽተ ብዝተኸፈሉ ኮሪደራት ልምዓት ኣፈፃፅማኦም ዘድሀበ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቲ ገምጋም ብዝምልከት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ “ቀዳማይ ዕላማና ኣዲስ ኣበባ ንናብራ ነበርታ ዝተመቸወትን ሰሓቢትን ከተማ ንምግባር ዘለና ቆራፅነት ምዕዋት ኢዩ” ኢሎም፡፡

ከይዲ ስራሕ ምልማዕ ኣብ ውልቀ ክፍለ-ኢኮኖሚ፣ ብመንግስቲ፣ ትሑት ኣታዊ ብዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብን ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተትሓዙን ዝተኻረዩን ንብረታት ዝነኽአ ክኸውን ይኽኣል እምበር÷ ናይ ነዊሕ እዋን ረብሓ ትልሚ ሒዙ ዝተበገሰ ስራሕ እንትዛዘም ንኹሎም መዳርግቲ ኣካላት ኢሉ እውን ንሰፊሕ ህዝቢ ዝህቦ ረብሓ ዓብዪ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

እናተርኣየ ዝርከብ ሓዱሽ ባህሊ ስራሕ ንኽድንፍዕ ኣብ መላእ ሃገር ክቕዳሕን ክባዛሕን ከምዝግበኦ ገሊፆም፡፡

ኣብታ ከተማ ዓበይቲ መስመራት ጉዕዞ ንምምሕያሽን ኣብ ከተማ ዝውውር ንምቅልጣፍ ክብ ዝበለ ሸቶ ዘንበረ ስራሕ ከምዝተጀመረ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣመላኺቱ፡፡

መጠን ራኢ እቲ ስራሕ ስሩዕ ብዘይኮነ ኣሰፋፍራ ተጎሳቒሉ ዝርከብ ነባሪ ኩነታት ናብራ ምምሕያሽ፣ እናዓበየ እታ ከተማ እናጨናነቐ ንዝመፅአ ናይ ትራፊክ ወጥሪ መፍትሒ መገዲታት ምስፋሕ፣ ንእግረኛታት ሰፊሕ መገዲታት ምስንዳእ፣ ናይ ሓድጊ ቦታታት መፅጋን ኢሉ እውን ሕንፃታት ብመጠን ደረጃ ስነ-ፅባቐ ህንፃ ህንፃ እታ ከተማ ከብፅሑ ዝኽእሉ ተግባራት ዝሓቖፈ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.