Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ህዝቢ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምድጋፍ ፅዕንቶ ወፃኢን ውሽጣዊ ፅሕተራን ንክምክት ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ህዝቢ ልክዕ ከም ቀደሙ ከም ሓደ ሰራዊት ብምዃን ንህልውና ሃገር ደው ብምባል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምድጋፍ ፅዕንቶ ወፃኢን ውሽጣዊ ፅሕተራን ንክምክት ፃውዒት ኣቕሪቦም

ንህዝቢ ትግራይ ዘለና ሓሳብ፤ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘለና ቦታ ንመወዳእታ ጊዘ ኣርኢና ኢና።

ጎንፂ ንዘይምብእኣስ፥ ንህዝቢ ንናይ ሕርሻ እዋን ዕድል ንምሃብ  ከምኡውን ኣቕርቦት ሓገዝ ብዘይምትዕንቓፍ ንክፍፀም እንትንብል ኣብ ሰብኣዊነት ዝተደረኸ ናይ ተናፀል ተኹሲ ደው ምባል ገይርና ኢና።

ሰላም ዝተወሰነ ዋጋ ከምዘኽፍል እንተፈለጥና እውን እዚ ግን ናይ መወዳእታ ሰላማዊ ዕድል ኢዩ።

ይኹን እንበር እቲ ጁንታ መገዲ ሰላም ክወሓጠሉ ስለ ዘይከኣለ ሐዚ ብዘለዎ ቁመና ብዘይ ጎንፂ ውዒሉ ክሓድር ኣይከኣለን።

ህፃናትን መናእሰይን ብመዐወኒ እፅ እናዕበደ ናብ ኲናት የእትዎም ኣሎ። ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነቶም ህፃናት ወተሃደራት ናይ ምድሓን ሞራላዊ ግዴታ ኣጋጢሙዎ ኣሎ።

ንህዝቢ ክንብል ዝኸፈልናዮ ዋጋ ብዘይተረደኦም ድኹማት ምኽኒያት ውፅኢት ኣየምፀአን። እቲ ጁንታ ናይ ኢትዮጵያ ሀልውና ቀንዲ ፀላኢ ከምዝኾነ ደጊሙ የመስክር ኣሎ።

እዚ ድማ መላእ ህዝቢ ኣተሓባቢርና ክንምልሶ ኢና። ብሓደ ወገን ሰብኣዊ ሓገዝ ንክቀላጠፍ እናሰራሕና ብኻሊእ ወገን ድማ ውሽጣዊን ግዳማውን ፀላእቲ ተናቢቦም ዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ብምምካት ክንምልሶ ኢና።

ማሕበረሰብ ዓለም ብዛዕባ ሓገዝን ጥምየትን እንትዛረብ ምፅንሑ ዘንጊዑ እቲ ጁንታ ህፃናት እንተሰልፍ እውን ሱቕታ መሪፁ ኣሎ።

ኮሪደራት መእተዊ ሓገዝ ናይ ጎንፂ ቦታታት እንትገብሮም ትካላት ሓገዝ ሐዚ እወን መንግስቲ ንምውቃስ ይደሊዩ ኣለዉ።

ነዚኦም ኩሎም ኣብ ግምት በምእታው መነግስቲ ኣድላዪ ኩሉ ብግቡእ መገዲ ክፍፅም ኢዩ።

ህዝቢ ካብ ስኑዕ ሓበሬታን ፕሮፓጋንዳ ፀላእን ንባዕሉ ክከላኸል አተሓሳስብ።

ጁንታን መሻርኽቱን ዘለዎም ዓቕሚ ሓሶት ምፍራኽ ጥራሕ ኢዩ። ናይ ውሽጥን ወፃኢን ሓይሊታት ፕሮፓጋንደኦም ኣዋዲዶም ህዝቢ ንምክፍፋል ይሰርሑ ኣለዉ።

ነዚ ድማ ህዝቢ ልክዕ ከም ቀደሙ ከም ሓደ ሰራዊት ብምዃን፣ ንህልውና ሃገር ደው ብምባል፣ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምድጋፍ ፅዕንቶ ወፃኢን ውሽጣዊ ፅሕተራን ንክምክት ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.