Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ህይወቶም ዝሓለፉ ኢትዮጵያውያን ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሬኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ህይወቶም ዝሓለፉ ኢትዮጵያውያን ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝገለፁዎ፥ “ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሰኣኑ ክልቲኦም ኢትዮጵያውያን መንግስተ ሰማያት ንከዋርሶም፤ ንስድራቤት ድማ ምፅንዕናዕ ይምነ” ክብሉ ገሊፆም።

እቲ ዜና ዝሰምዑ ኩሎም ንኸረጋግዑን ዝወፅኡ መምርሒታት ብዕቱብ ንኽፍፅሙን እውን ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ “ኣካላዊ ርሕቐጥኩም ሓልዉ፣ ኣእዳውኩም ብግቡእ ተሓፀቡ፣ ብዝተኽኣልኩም መገዲ ኩሉ ንኻልኦት ሓገዝ ግበሩ” ብምባል ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኩሉ ሰብ መንግስቲን ሚኒስቴር ጥዕናን ዘውፀኡዎም መምርሒታት ክትግብር ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ትማሊ ዕለት 27 መጋቢት 2012 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወት ክልተ ሰባት ዝሓለፈ እንትኸውን፥ በዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ድማ ናብ 43 ክብ ክብል ክኢሉ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.