Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ንምክትል ፕሬዚዳንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ስግግር ሱዳን “እንኳዕ ናብ ኢትዮጵያ መፅኡ” ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንምክትል ፕሬዚዳንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ስግግር ሱዳን ጄኔራል መሓመድ ሃምዳን ዳጋሎ “እንኳዕ ናብ ኢትዮጵያ መፅኡ” ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ዓሚቕ ታሪኻዊ ምትእስሳር ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ናእደኦም ገሊፆም።

ምክትል ፕሬዚዳንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ስግግር ሱዳን ጄኔራል መሓመድ ሃምዳን ዳጋሎ፥ ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።

ኣብ ጻንሒቶም ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ብምድሃብ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ክዝትዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.