Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ነበርቲ ከተማ ያቤሎ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረና ትርከብ ከተማ ያቤሎ ምስ ዝርከቡ ነበርቲ ተዛትዮም።

ኣብቲ ዝገበሩዎ ዘተ ድማ፥ ነበርቲ እታ ከተማ ዘለዎም ናይ ፍቕሪን ሰላምን ባህሊ ብሓድነት ኣፅኒዖም ንኢኮኖሚያዊን ማሕበራን ልምዓት መሰረት ክገብዎም ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ዓበይቲ ዓዲ እቲ ከባቢ ብግደኦም፥ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተርኣዩ ነፃነታት ሃይማኖትን ካልኦትን ብምፅራሕ ኢትዮጵያ እናተጉዓዘቶ ትርከብ ጉዕዞ ዴሞክራሲ ኣድኒቖም።

ብተወሳኺ መሰረተ ልምዓት እቲ ከባቢ፣ ድሌት ግልጋሎት ማይን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ከምኡ እውን ድሌታት ማሕበረሰብ ሰበኽ ሳግም ምስ ምምላእ ዝተተሓሓዙ ሓቶታት ከምዝተልዓሉ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.