Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ሓደ መዓልቲ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መርሃ ግብሪ እናተሳተፉ ንዝርከቡ ዜጋታት ምስጋና ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ጥራሕ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መርሃ ግብሪ እናተሳተፉ ንዝርከቡ ዜጋታት ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣባ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ “መፃኢ ወለዶ ካባኹም ዝፅበዮ ነገር ንምዕዋት ትገብሩዎ ንዘለኹም ፃዕሪ ከመስግነኩም ይደሊ” ኢሎም።

ኩሎም ኢትዮጵያውያን ካፍቲ ዝተሃቀነ ዓመታዊ ትልሚ ብዝለዓለ ኩነታት ምላሽ ንኽህቡ ፃውዒት ዘቕረቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ እዚ ድማ ብሓድነት ከምዝዕወት ገሊፆም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ጥራሕ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ተሓሲቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ እናተሳለጠ ይርከብ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.