Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወረዳ ጎሮ ጉቱ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ዘብፀሖ ጉድኣት ተመልኪቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወረዳ ጎሮ ጉቱ ተረኺቦም ወራር ዕስለ ኣምበጣ ዘብፀሖ ጉድኣት ተመልኪቶም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ክልል ሶማሌን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን እናገበሩዎ ዝነበሩ ዑደት ስራሕቲ ፕሮጀክታት ልምዓት ብምዝዛም ኢዮም፤ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ ጎሮ ጉቱ ተረኺቦም እቲ ዕስለ ኣምበጣ ዘብፀሖ ጉድኣት ዝተዓዘቡ።

ዶክተር ኣአቢይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝገለፁዎ፥ መንግስቲ ብዝገበሮ ስራሕቲ ምክልኻል ዝኸፍአ ጉድኣት እንተየብፀሐ ምቁፅፃር ተኻኢሉ ኢዩ።

በአንበጣ መንጋው ጉዳት ለደረስባቸው የአካባቢው አርሷደሮችንም ተገቢው ድጋፍ እንደሚደረግም ገልጸዋል።

በቲ ዕስለ ጉድኣት ዝበፅሖም ሓረስቶት እቲ ከባቢ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝግበረሎም እውን ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.