Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ጀርመን ዝነበሮም ፃንሒት ውፅኢታዊ ነይሩ- ቢልለኔ ስዩም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ጀርመን ዝነበሮም ፃንሒት ውፅኢታዊ ነይሩ ክብላ ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ገሊፀን።

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተሳለጠ ጉባኤ “ኮምፓክት ዊዝ ኣፍሪካ” መስታፉ ይፍለጥ።

ቢልለኔ ስዩም ኣብ ዝሃብኡ መብርሂ፥ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ መራሄ መንግስቲ ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ክልቲኣዊ ዘተ ከምዝገበሩ ተዛሪበን።

እቲ ዘተ ቅድመ ሐዚ ዝተዛተዩሎም ከልቲኣዊ ዛዕባታት ብዝበለፀ ንምጥንኻር፣ ቀጣናዊ ጉዳያት ብዝበለፀ ኣጠናኺርካ ምስራሕ ዝጠመተ ከምዝነበረ ሓቢረን።

ጀርመን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሓገዝ እትገብር ሃገር ምዃና ብምግላፅ፥ ብዓውዲ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ትምህርቲ፣ ቀጣናዊ ጉዳያት ብዝበለፀ ሓቢርካ ንምስራሕ ምርድዳእ ከምዝተገበረ ተዛሪበን።

ኢትዮጵያ እትሰርሖም ዘላ ስራሕቲ፣ ዝተፈጠሩ ክፍተታትን ምምሕያሻትን ብዝምልከት ኣብቲ ጉባኤ ሓሳቦም ከምዘካፈሉ ኣብሪሀን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑዔል ማክሮን ከልቲኣዊ ዘተ ከምዝገበሩ ሓቢረን።

ብድምር እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ጀርመን ዝነበሮም ፃንሒት ውፅኢታዊ ነይሩ ኢለን ቢልለኔ ስዩም።

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.