Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ብሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔ ሱዳን ኦማር በሽር ማኒስ ምስ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ተዛቲዮም

አዲስ አበባ ፣ ግንቦት 8 ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔ ሱዳን ኦማር በሽር ማኒስ ምስ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ማእኸላት ዶብ፣ ምጥንኻር ርክብ ኢኮኖሚ ኢትዮ-ሱዳን፣ ፅዕንቶ ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ብሓባር ምክልኻል ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ትኹረት ዝገበረ ኢዩ።

ብተወሳኺ ኢኮኖሚ ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ዛዕባ ምስቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ዘተ ከምዝገበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ፌስ ቡክ ገፆም ፅሒፎም።

ብሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔ ሱዳን ኦማር በሽር ማኒስ ዝምርሑ ኣባላት ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ትማሊ ኣማሲዮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይዝከር።

እቶም ኣባላት ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣቀባብላ ገይረሙሎም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.