Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ “ዛፍ በደጃፍ” ብዝብል መርሃ ግብሪ ምስ ቤተሰቦም ብምዃን ተኸላ ፈልሲ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ “ዛፍ በደጃፍ” ብዝብል መርሃ ግብሪ ምስ ቤተሰቦም ብምዃን ተኸላ ፈልሲ ኣካይዶም።

መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ ዓመተ 2012 ትማሊ ኣብ ክልል ደቡብ ከተማ ሃዋሳ ብዕሊ ምጅማሩ ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ “ዛፍ በደጃፍ” ብዝብል መርሃ ግብሪ ምስ በዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ ዝናሽ ታያቸውን ደቆምን ብምዃን ሎሚ መዓልቲ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ቤት ዕዮ ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣሳሊጦም።

ሕብረተሰብ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብምስታፍ ኣብ መረብኡን ሰፈሩን ተኸላ ፈልሲ ንኸካይድ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዚ እንትፍፀም ኣካላዊ ርሕቐት ብምትግባር ንገዛእ ርእሱ ካብ ቫይረስኮሮና ክከላኸል ምዒዶም።

ሎሚ ዓመት ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሸራ ብብርኪ ሃገር 5 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ትልሚ ከምዝተትሓዘ ይፍለጥ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.