Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ኣብ ዝገብርዎ ዑደት ኣብ ክሊ መሰልን ረብሓን ኢትዮጵያውያን ዘኽብሩ ዛዕባታት ልዝብ ከምዝገብሩ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሕቡራት ኢሜሬታት ዓረብ ኣብ ዝገብርዎ ዑደት ኣብ ክሊ መሰልን ረብሓን ኢትዮጵያውያን ዘኽብሩ ዛዕባታት ልዝብ ከምዝገብሩ ተገሊፁ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብታ ሃገር ኣብ ዝገብርዎ ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ብዝምልከት ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣይተ ንጉስ ጥላሁን መግለፂ ሂቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ፃንሒቶም ምስ 15 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ዘተ ከምዝገብሩ እቶም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

እቲ ዘተ፥ ዜጋታት ክብሮም ተሓሊዩ፣ መሰሎም ተኸቢሩን ክረኽብዎ ዝግባእ ረብሓ ተረጋጊፁን ንክነብሩ ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

መንግስቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዜጋ ተኮር ኣብ ዝኾነ ዲፕሎማሲ ትኹረት ብምግባሩ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 100 ሺሕ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምኽኣሎም ድማ ኣይተ ንጉሱ ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.