Fana: At a Speed of Life!

ቁፅሪ ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ዝሞቱ ስደተኛታት ብ3 ዕፅፊ ወሲኹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ኣውሮፓ ንምስጋር ብዝብል ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ዝሞቱ ኣፍሪካውያን ስደተኛታት ቁፅሮም ብሰለስተ ዕፅፊ ከምዝወሰኸ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።

ንኣብነት ድማ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዘሎ እዋን 990 ኣፍሪካውያን ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ፀብፃብ እቲ ትካል ኣመልኪቱ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ህይወቶም ዝሓለፈ ኣፍሪካውያን ስደተኛታት ቁፅሮም 334 ከምዝነበረ ኣፍሪካ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ኣውሮፓ ዑቑባ ንምሕታት ኣብ ጉዕዞ ዝሞቱ ህፃናት ቁፅሮም እናወሰኸ ከምዝመፅአ ዝገለፀ ውሕመ÷ ኣብቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ ቆራፅነት ዘይምህላዉ እቲ ፀገም ከምዘጋደዶ ገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.