Fana: At a Speed of Life!

በቱር ግዝኣት ኣዳና ዝርከቡ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ንኸፍስሱ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓለፍቲ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘካተተ ጉጅለ ልኡኽ ኢንቨስትመንትን ፕሮሞሽንን ኣብ ቱርኪ ግዝኣት ኣዳና ዑደት ገይሩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብታ ግዝኣት ዝርከብ ዝተዋደደ ዞባ ኢንዱስትሪ ኣዳና ሃቺ ዝተዓዘበ እንትኸውን፥ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ንኸፍስሱ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

እቲ ጉጅለ ምስ ኣመራርሓታት እቲ ዞባ ኢንዱስትሪ ዝተዛተየ እንትኸውን፥ ምስቲ ዞባ ኢንዱስትሪ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ብሓባር ንምስራሕ ድሌት ከምዘለዎ ገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣማራፂታት ዕድል ኢንቨስትመንት ንኣመራርሓታት እቲ ዞባ ኢንዱስትሪ ገለፃ ከምዝተገበረ እውን ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.