Fana: At a Speed of Life!

በዓል ሓዱሽ ዓመት ዮ ማስቃላ ህዝቢታት ዞባ ጋሞ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ እናተሰርሕ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓል ሓዱሽ ዓመት ዮ ማስቃላ ህዝቢታት ዞባ ጋሞ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ እናተሰርሕ ምዃኑ ተገሊፁ።

ሓላፊ መምርሒ ባህሊ፣ቱሪዝምን ስፖርትን እቲ ዞባ ኣይተ ዘነበ በየነ ከምዝበሉዎ፥ በዓል ማስቃላ ህዝቢታት ጋሞ ብበፃሕቲ ዓዲ ዓለም ዝጉብነ ንምግባር ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ዓመት ልዑል ዋሕዚ ቱሪስት ከምዝነበረ ዝገለፁ ኣይተ ዘነበ፥ እዚ ድማ ብፃዕሪ ኣቦታት ጋሞ ዝተረኸበ ዓወት ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ ካብ ዘፈር ቱሪዝም ልዕሊ ብር 98 ሚሊየን ከምዝተረኸበ ገሊፆም።

ምኽትል ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሞ ኣይተ ብርሃኑ ዘውዴ ብግደኦም፥ እቲ ዞባ ብዙሓት መስሕባት ቱሪዝም ዝርከበሉ ምዃኑ ገሊፆም።

ሰላም እንትሕሎ፤ አእሴታት፣  ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን መስሕባት ንህዝቢ ዓለም ንምፍላጥ ዕድል ብምፍጣር እቲ ዓውዲ ኣብ ምዕባለ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ልዑል ኣስተዋፅኦ ዘለዎ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.