Fana: At a Speed of Life!

በዓል መዚ ማይን ፈሳሲን ከተማ አዲስ አበባ ብልዕሊ 882 ሚሊየን ብር ዘህነፆም 62 ህንፃታት ዓይነ ምድሪ ንዝምልከቶም ኣብያተ ዕዮ  ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ማይን ፈሳሲን ከተማ ኣዲስ ኣበባ አብ 11 ክፍላተ ከተማ ብልዕሊ 882 ሚሊየን ብር ዘህነፆም 62 ህንፃታት ዓይነ ምድሪ ሎሚ ንቢሮ ጥዕናን ቢሮ ትምህርቲን ኣረኪቡ።

እቲ በዓል መዚ እቶም ግልጋሎት ዓይነ ምድሪ ዝህቡ ህንፃታት ዝሰርሖም አብ ህዝቢ ዝበዝሖም ኸባቢታት፥ አብያት ትምህርቲን ጣብያታት ጥዕናን ሙዃኑ ተሓቢሩ።

ህንፀቶም ተወዲኡ ንግልጋሎት ዕላዊ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ እቶም 24 አብ አብያተ ትምህርቲ 21 ዓይነ ምድሪ አብ ኣብያተ ጣብያትት ጥዕና ዝተሃነፁ እንትኾኑ፥ እተን 17 ንህዝቢ ግልጋሎት ዝህባ እየን፡፡

እቶም ዝተሃነፁ ግልጋሎት ዓይነ ምድሪ ዝህቡ ማእከላት፥ ባህሊ ኣተሓላልዋ ፅሬት ሕብረተ ሰብ ብምምዕባል ስርዓት ኣተኣላልያ ርስሓት ብምምሕያሽ ጥዕንኡ ዝተሓለወ ሕብረተሰብ ንምፍጣር ዝለዓለ ግደ ከም ዝህልዎም ተገሊፁ።

እቶም ዝተሃነፁ ዓይነ ምድሪ ንምንቅስቓስ ጉዱኣት ኣካል ኣብ ግምት ብምእታው ዝተሃነፁ እንትኾን፥ ካብዚ ብተወሳኺ መሕፀቢ ሰውነት፣ ክፍልታት ሰራሕተኛታት ምፅርራይ፣ ኢድ መሕፀቢን ኣብ ትካላት ጣብያታት ጥዕና መእለይን መቃፀሊ ጓሓፍ ዝሓዘ ሙዃኑ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.