Fana: At a Speed of Life!

በዓል ትንሳኤ እዚ ዓመት ኣብ ሞንጎ ተስፋን ቃልሲን ኮይንና ነኽብሮ ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ  ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ትንሳኤ ኣመልኪቶም ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

”በዓል ትንሳኤ እዚ ዓመት ኣብ ሞንጎ ተስፋን ቃልሲን ኮይንና ነኽብሮ ኢዩ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብሓደ ወገን ኣሳጊርና ትንሳኤ ብምርኣይ ተስፋ፤ ብኻሊእ መልክዑ ድማ ኣብ ቅድሚት ዝተደራረቡ ፈተናታት ነቲ ትንሳ ንምትራፍ ዓቢዪ ቃልሲ ዝግበረሉ ኢዩ።

“ክርስቶስ ንደቀ መዝሙሩ ብዛዕባ ሕማማቱ፣ ስቕለቱን ትንሳኤኡን ኣቐዲሙ ዝነገሮም ጋህዲ ኮይኑ ክሳብ ዝሪኡ ብዓቢዪ ተስፋን ከቢድ ቃልሲን ምሕላፎም ይፍለጥ ኢዩ፤ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ እንትለዓል ግን ንሃዋርያቱን ንተኸተልቱን ብሓደ ግዘ ኣይተገለፀሎምን፤ ምኽንያቱ ድማ ኣብ እዋን ትንሳኤ ዝደቀሱን ስለዝነበሩን ዝተወሰኑ ድማ ከምዝለዓል ስለዘየረጋገፁ ናብ ዝተቐበረሉ ቦታ ስለዘይከዱ ኢዩ” ኢሎም።

ጥርጣረኦምን ድቃሶምን ኣብ ከይዲ እንትሰዓር፥ ኩሎም ሰባት ትንሳኤ ክሪኡን ክሰምዑን ከምዝኸኣሉ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ንብዙሕ ሰብ ትንሳኤ ኢትዮጵያ ፀልማት ኮይኑ ዝረኣዮ፣ እንተተነገረሉ ዘይስማዕ፣ እንትድህሰስ ዘይጭበጥ መሲሉ ክረአ ይኽእል ኢዩ ዝበለቁ ዶክተር ኣቢይ ኣብ መልእኽቶም፥ ይኹን እምበር ትንሳኤ ኢትዮጵያ ጋህዲ ካብ ምዃን ኣይተርፍን ኢሎም።

ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ጉንበት ዝካየድ መረፃ ትንሳኤ ኢትዮጵያ ካብ ዝብሰረሎም ምዕራፋት ሓደ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

“ብተመሳሳሊ መገዲ ንዓመታት እናተፀበይና ዝፀናሕና፣ ብረሃፅናን ጉልበትናን እነሃንፆ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ይርከብ፤ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሓምለ ድማ ካልኣይ ምዕራፍ ምምላእ ማይ ንምክያድ ኣብ ምድላው ንርከብ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ብዝበለፀ ናብ ተስፋ ብዝቐረብና ቁፅሪ ፈተናታትና እውን እናሓየለ ይመፅእ ኣሎ” ኢሎም ።

ብዙሓታት ፈተናታት ይደራረቡ እምበር ኣብ መወዳእታ ኢትዮጵያውነት ስዒሩ ትንሳኤ ከምዝብሰር፤ ናብ ቅድሚት እናመፅኡ ማሕለኻ እናኾኑ ዝነበሩ ተፃብኦታት ኣብ ቅድሚ ብርሃን ትንሳኤ ጠጠው ናይ ምባል ዓቕሚ ስኢኖም ከምዝወድቁ ኣገንዚቦም።

ኣብዚ ሕዚ ጠጠው ኢልናሉ ንርከብ እዋን ብስራት ትንሳኤ ቅድሚ ምብሳሩ ኣብ ናይ መወዳእታ ዘጭንቑ መዓልቲታት ከምንርከብ እውን ኣብሪሆም።

ኣብቶም ዘጨንቑ መዓልቲታት ብዙሓት ነገራት ክለዋወጡ ከምዝኽእሉን ትፅቢት ካብ ዘይግበረሎም ኣንፈታት እንተይተረፈ ፈተናታት ክመፅኡ ከምዝኽእሉ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ልዕሊ እቶም ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝኸበቡዋ መከራታት፣ ቅትለታት፣ ምድንጋራትን ዋዕዋዕታን ከምዝኾነት፤ ግዜ ይንዋሕ እምበር መወዳእታ ከምዘለዎ፤ ተንኮላት ይሁዳ፣ ስራሕቲ ጉጅለ ሊቀ ካህናት ቀያፋ፣ ዕላማ ሃገር ምፍራስ ሮማውያን ሰንበት ፍርቂ ለይቲ ከምዝተበታተን ክስቶስ ሞት ስዒሩ መቓብር ፈንፂሑ ብምልዓሉ ታሪኽ ከምዝተቐየረ፤ ዝተወደአ መሲሉ ዝነበረ ነገር ከም በሓዱሽ ከምዝተለዓለ፥ ትንሳኤ ኢትዮጵያ እውን ተመሳሳሊ ከምዝኾ ተዛሪቦም።

“ኢትዮጵያ ንኹሉ ስዒራ ብምልዓል ንፃላእታ ክተሕፍሮም ኢያ፣ ኣይተርፍን፣ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ሓቂ ኢዩ፤ ሰናይ በዓል ትንሳኤ” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.