Fana: At a Speed of Life!

ቢሮ ትራንስፖርት ኣዲስ ኣበባ ምልባዕ ቫይረስኮሮና ንምቕናስ ተሽከርከርቲ ዘሳፍርኡ ቁፅሪ ሰብ ዝቕንስ መምርሒ ኣሰናዲኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ትራንስፖርት ኣዲስ ኣበባ ምልባዕ ቫይረስኮሮና ንምቕናስ ተሽከርከርቲ ዘሳፈርኡ ቁፅሪ ሰብ ዝቕንስ መምርሒ ኣሰናዲኡ።

እቲ ሓዱሽ መምርሒ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝግበር እንትኾን፥ ኩለን ኣገልግሎት ህዝቢ ዝህባ ተሽከርከርቲ ቁፅሪ ተሳፈርተን ከምዝቕንሳ ተገሊፁ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኢንጂነር ስጦታው ኣከለ፥ ታክሲታት ብወንበር ልክዕ (ትርፊ ዘይብሉ) ክፅዕና፣ ቅጥቅጣት ብወንበር ልክዕን ተረሓሒቖም ደው ዝብሉ ሓሙሽተ ሰባትን ጥራሕ ንከሳፍራ ተኣዚዙ።

ካልኦት ኣብቶብሳት ከተማ ድማ ቅድመ ሐዚ ካብ ዘሳፍርኡ ዝነበራ ወንበር 50 ሚኢታዊ ቀኒሰን ንክፅዕና ኣብቲ መምርሒ ተገሊፁ።

እተን ተሽከርከርቲ ኣብ ታሪፍ ምንም ዓይነት ወሰኽ ዋጋ ከምዘይገብራ እውን ተሓቢሩ።

እቲ መምርሒ ኣብ ልዕሊ ዝጠሓሱ ገናሕቲ  ካብ 500 ክሳብ 5 ሺሕ ብር ዝበፅሕ ቅፅዓት ከምዝቕፅዑ እቲ መምርሒ ደንጊጉ ኣሎ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.